ብሪጣንያ፡ ልኡላውነትን ዶብን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሕሎን ውጥረት ህጹጽ ክዝሕልን ጸዊዓ
መንግስቲ ብሪጣንያ ብ15 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዶብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጥሕስ ናይ ዝኾነ ኣካል ተግባር ከምዝቃወም ገሊጹ፤ ድሕነት ሰላማውያን ሰባትን ዘይተገደበ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድኤትን ክረጋገጽ ሓቲቱ።

The British government said in a statement on 15 October that it had noted with great concern the worsening security situation in the Horn of Africa, that it opposes action by any party which breaches the border of its neighbouring states, and that it urgently calls for de-escalation and a return to dialogue under the African Union's facilitation.
መንግስቲ ብሪጣንያ ብ15 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ብዓቢ ሻቕሎት ከምዝተኸታተሎ ገሊጹ፡ ኩሎም ኣካላት ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኩለን ሃገራት እቲ ከባቢ ክሕልዉን ውጥረት ዝውስኽ ዝኾነ ተግባር ከምዝርሕቑን ጸዊዑ። እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመንዌልዝን ልምዓትን (FCDO) ዝወጸ መግለጺ፡ ብሪጣንያ ንዶብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጥሕስ ናይ ዝኾነ ኣካል ተግባር ከምዝቃወም፡ ውጥረት ህጹጽ ክዝሕልን ናብ ዘተ ክምለስን፡ ኣብዚ መስርሕ እዚ ድማ ተራ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ። መግለጺ መንግስቲ ብሪጣንያ ወሲኹ፡ ድሕነትን ዘይተገደበን መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድኤት ኣገዳሲ እዩ ኢሉ፡ ኩሎም ኣካላት ሰላማውያን ሰባት፡ ደቀንስትዮን ህጻናትን ከሕልዉን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩን ሓቲቱ። እቲ መግለጺ ዝኾነ ወገን ብስም ኣይጠቐሰን።
