ኣብ ብሪጣንያ ጥቓ መደበር ኣየር ብሓይልታት ኣሜሪካ ዝጥቀመሉ ሰባት ተኣሲሮም
ፖሊስ ግሎስተርሻየር፡ ብሕጊ ተፈናጀርቲ ነገራት ተጠርጢሮም ሰባት ከምዝተኣስሩን ኣባይቲ ቁሸት ዌልፎርድ ከምዝተጋለዩን ገሊጹ።

Gloucestershire Police said on Sunday morning that several men had been arrested on suspicion of offences under the Explosives Act and that a major incident had been declared, with properties evacuated in Whelford, about two miles from RAF Fairford. An Army explosive ordnance disposal team examined vehicles at the scene. Police did not say whether the arrests were connected to the base.
ፖሊስ ግሎስተርሻየር ሰንበት 27 መስከረም ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብገበናት ሕጊ ተፈናጀርቲ ነገራት (Explosives Act) ተጠርጢሮም ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ኢሉ፡ ከቢድ ኩነት (major incident) ድማ ኣዊጁ። "ድሕሪ ምእዋጅ ከቢድ ኩነት፡ ኣብ ከባቢ ዌልፎርድ ዝርከቡ ብዙሓት ኣባይቲ ሕጂ ይጋለዩ ኣለዉ" ኢሉ እቲ ፖሊስ። ቁሸት ዌልፎርድ ካብ መደበር ኣየር RAF ፈርፎርድ ኣብ ምዕራብ ኢንግሊዝ ኣስታት ክልተ ማይል ትርሕቕ። ናይ ሰራዊት ፍሉይ ኣሃዱ ምውጋድ ተፈናጀርቲ ኣብቲ ቦታ መካይን መርሚሩ። ፖሊስ፡ እቲ መእሰሪ ምስቲ መደበር ወይ ምስቲ ኣብኡ ዝካየድ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣይገለጸን። እቲ መደበር ካብ 28 ለካቲት ኣትሒዙ ብሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ኢራን ንዝፍነዉ መጥቃዕትታት ይጥቀመሉ ኣሎ።
