ኣዛዚ ሓይሊ ሰላም ትግራይ፡ መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሰጊሮም ኢሉ፤ ኤርትራን ህወሓትን እዚ ክሲ ነጺጎም
ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ሰሉስ ኣብ መቐለ ንተቐማጦ እታ ከተማ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ መራሕቲ ህወሓት ወተሃደራዊ መሳርሕን መድሃኒትን ሒዞም ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱ ገሊጹ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ እዚ ክሲ ሓሶት እዩ ኢሉ፤ ህወሓት ድማ መሪሕነቱ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከምዘሎ ገሊጹ።

The Ethiopian News Agency reported that Prime Minister Abiy Ahmed said the TPLF had been preparing for war, accusing it of buying weapons, recruiting young people and violating the Pretoria agreement. He called on Tigrayan youth to leave the fighting, saying: "Lay down your Kalashnikov and return to development." The TPLF has not responded to the remarks.
Gebregziabher Beyene, a commander of the pro-government Tigray Peace Force, said while addressing residents of Mekelle on Tuesday that TPLF leaders had crossed the border into Eritrea and had taken a large amount of military equipment and medicines to Asmara. Eritrea's Minister of Information, Yemane Gebremeskel, said the claim was a lie. TPLF vice president Amanuel Assefa told AFP: "The leadership is working within Tigray." AFP said it could not independently verify the claim.
ኣዛዚ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ መራሕቲ ህወሓት ዶብ ሰጊሮም ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ገሊጹ። ብዙሕ ወተሃደራዊ መሳርሕን መድሃኒትን ናብ ኣስመራ ሒዞም ከምዝኸዱ ውን ኢሉ። እዚ ዝበለ፡ ሰሉስ ኣብ መቐለ ንተቐማጦ እታ ከተማ ኣብ ዝገበሮ መደረ እዩ። መቐለ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ናብ ኢድ ፌደራል ሓይልታት ወዲቓ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ እዚ ክሲ ሓሶት እዩ ኢሉ። ምክትል ፕረዚደንት ህወሓት ኣማኑኤል ኣሰፋ ድማ ንኤኤፍፒ ‘’እቲ መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይሰርሕ ኣሎ’’ ኢሉ። ኣጀንሲ ዜና ፈረንሳ እዚ ክሲ ብናጻ ከረጋግጾ ከምዘይከኣለ ገሊጹ። ገብረእግዚኣብሄር፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ብ16 ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ዘጣየሾ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣባል እዩ።
