ናይ ቀረባ ዜና
ስፖርትኤርትራ ምስ ኬንያ 1-1 ተፈላልየን
ናሆም ግርማይ ኣብ 36 ደቒቕ ንኤርትራ ኣቐዲሙ፤ ራያን ኦጋም ግን ኣብ 87 ደቒቕ ንኬንያ ኣመዓራርዩ። ኤርትራ ካብ ናይሮቢ ሓደ ነጥቢ ሒዛ ተመሊሳ።
ህጹጽኢትዮጵያኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክስን ፈኸራን ዝሓዘሉ መግለጺታት ኣስሚዖም
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንዕጡቓት ጉጅለታት ይድግፉ ክብል ከሲሱ፤ ጀነራል ኣበባው ታደሰ ድማ ባንዴራና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክንተክል ኢና ኢሉ።
ኢትዮጵያኤምባሲ ኣሜሪካ ንዜጋታቱ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከይገሹ ኣጠንቂቑ
ኣብ ከባቢ ላሊበላ ከቢድ ውግእ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታት ደው ኣቢሉ።
ኣህጉራዊ ዜናግብጺ ፍሉያት ኮማንዶ ሰራዊት ሶማል ኣመሪቓ
እቲ ስልጠና ስርሒታት ኮማንዶ፡ ወፍሪ ጸረ-ሽበራ፡ ናይ ከተማ ስርሒታትን ካብ ነፈርቲ ብምዝላል ዝግበር ንጥፈታትን ዘጠቓለለ ነይሩ።
ኣህጉራዊ ዜናስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ፓኪስታንን ህጹጽ ወተሃደራዊ ኣኼባ ክገብራ
እቲ ኣኼባ፣ ኣካል ናይቲ ብሰለስቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻል መካ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣህጉራዊ ዜናኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት 3 ቅድመ ኩነት ኣቕሪባ
ኣሜሪካ ነቲ ሕቶታት እንተተቐቢላቶ፣ እቲ መጻብቦ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ክኽፈት እዩ ትብል ኢራን።
ኤርትራዑስማን ሳልሕ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ተራኺቡ
እቲ ርክብ፣ ንመትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ጉዳይ ሱዳን፡ ድሕንነት ቀይሕ ባሕርን ናይ ምትኹታኽ ተግባራት ሰልፊ ብልጽግናን ኣልዒሉ።
ኤርትራምልዓል እገዳ ኣሜሪካ ኣብ ጽላት ዕደና ኤርትራ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዘለዎ ተገሊጹ
ፈጻሚ ኣቦ መንበር ዳናካሊ ሲሙስ፣ እቲ ስጉምቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጽበዮ ዝነበረ ኣወንታዊ ምዕባለ ምዃኑ ገሊጹ።
ኢትዮጵያዳግማይ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ኢጋድን መግለጺታት ኣውጺኦም
ህውሓትን ሓድሽ ኪዳን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምስ ፌደራል መንግስቲ ኲናት ምጅማሩ ድሕሪ ምግላጾም፣ ሰለስቲኦም ውድባት ብህጹጽ ተላብዮም።
ኣህጉራዊ ዜናፕረዚደንት ኢራን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንኣሜሪካን እስራኤልን ኣፈራሪሑ
ማሱድ ፔዘሽክያን፣ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ሓሳብ ከምዘይብላ ገሊጹ፣ ናይ ኒውክሌር ስነፍልጠት ምንቅስቓስ ግን ደው ከምዘይተብሎ ኣፍሊጡ።
ስፖርትኤርትራ ቀዳመይቲ ጸወታ ጉጅለ ድ ምስ ኬንያ ኣብ ናይሮቢ ተካይድ
ቀዳም 26 መስከረም ኣብ ናያዮ ስታድዮም ናይሮቢ፣ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብግሪንዊች።
ስፖርትኤርትራ ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተመሊሳ
ብድምር 4 ብ1 ንኤስዋቲኒ ሰዒራ ናብ ጉጅለ ዙር ሓሊፋ።
ኣህጉራዊ ዜናመራሕቲ ዓለም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ናታንያሁ ተዛሪቦም
ብራዚል፡ ቀጠርን ቱርክን ንእስራኤል ብምጽናት ዓሌት ከሲሶማ።
ኣህጉራዊ ዜናኣሜሪካ ንጀነራል ኣልቡርሃን ናይ ሕቡራት ሃገራት ቪዛ ከሊኣ
ዋሽንግተን፡ ክልቲኦም ጀነራላት ንሱዳን ናይ ምምራሕ ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ ብቕዓት የብሎምን ክትብል ገሊጻ።
ኣህጉራዊ ዜናኣሜሪካ ኣብ ተሽከርከርቲ ረድኤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኮኒና
ዋሽንግተን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መካይን ረድኤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብህጹጽ ክምርመር ጻውዒት ኣቕሪባ።
ኢትዮጵያኢትዮጵያ ንኤርትራ ንዕጡቓት ጉጅለታት ብገንዘብ ትድግፍ ክትብል ከሲሳ
ብሌን ስዩም፡ ኣስመራ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ሓጊዛቶ ክትብል ገሊጻ። ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።
ኢትዮጵያህውሓት ኤርፖርት መቐለ ተቖጻጺሩ፤ በረራታት ደው ኢሎም
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝግበር በረራታት ንዘይተወሰነ ግዜ ኣቋሪጹ።
ኤርትራኤርትራ ብውሽጣዊ ሰላማ ንጎረባብታ በሊጻ
ኣህጉራዊ መዐቀኒ ሰላም 2026፡ ካብ 163 ሃገራት ኤርትራ መበል 128 ተርታ ሒዛ።
ኤርትራኤርትራ ናይ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ 9.82 ሚልዮን ዶላር ንቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ጽሬትን ኣጽዲቑ።
ስፖርትልኡኽ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ናይሮቢ ኣትዩ
ናትና ቲቪ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዓወት ትምነ።
ኢትዮጵያሕቡራት ሃገራት ብኩነታት ኢትዮጵያ ስክፍታ ገሊጹ
ስቴፋን ዱጃሪክ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣይፈትሕን።
ኣህጉራዊ ዜናግብጺ ንኢትዮጵያ፡ ዲጋን ምንጻፍን ሓደ ኣይኮኑን
ሚኒስተር ሃኒ ሰዊላም፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሃገራት ዝካፈላልኦ ፈለግ ልኡላዊ መሰል ሓንቲ ሃገር ኣይኮነን።
ኤርትራናይ ህጻናት ክታበት ናብ ኤርትራ ኣትዩ
ምስ ማሕበር ክታበት ጋቪን ዩኒሴፍን ብዘሎ ምትሕብባር፡ 95 ሚእታዊት ሽፋን ክታበት ንምቕጻል።
ኤርትራምልዓል እገዳ ኣብ ወፍርን ንግድን ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍት ይኽእል
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ እቲ ስጉምቲ ውህሉል ናይ ክልቲኤን ሃገራት ሰናይ ድሌት ዘንጸባርቕ እዩ ኢሉ።
ኤርትራፕሮጀክት ኮሉሊ ፖታሽ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ
1.1 ቢልዮን ቶን ሃብቲ፤ ንግዳዊ ምህርቲ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 2027 ክጅምር ትጽቢት ኣሎ።




