ሰኑይ · 19 ጥቅምቲ 2026
17
ብቐጥታኣህጉራዊ ዜናሰበ-ስልጣን ኣብ ኣብየ ዝርከብ ዕዳጋ ኣምየት ብመጥቃዕቲ ድሮን 73 ሰባት ተቐቲሎም ኢሎም፤ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ሱዳን ጸዊዓ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ጁባ ጸዊዑ ብርቱዕ ተቓውሞ ኣፍሊጡ። ሕቡራት ሃገራት 26 ሞትን 82 ቁስልን መዝጊቡ፤ መንግስቲ ሱዳን ዛጊት መልሲ ኣይሃበን።
ብቐጥታኢትዮጵያኣብይ ኣሕመድ፡ ኤርትራ ንጸላእቲ ኢትዮጵያ መዓስከር ኮይና ምቕጻላ ጥቕሚ ከምዘይብሉን፡ ጻውዒት ኢትዮጵያ ዕሽሽ ምባል ‘ኣዝዩ ብርቱዕ ሳዕቤን’ ከምዘምጽእን ገሊጹ
ኣብይ ሰኑይ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰናይ ጉርብትናን ሽርክነትን እንኮ መንገዲ ምዃኖም ገሊጹ፤ ብዛዕባ ህወሓት ድማ ህላወኡ ናብ መወዳእታ ይበጽሕ ኣሎ ኢሉ። ኤ.ኤፍ.ፒ. እዚ ድሕሪ ሰሙናት ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝሃቦ ቀዳማይ ሰፊሕ መግለጺ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ብቐጥታኣህጉራዊ ዜናሑቲ ኣብ ዞባ ሸብዋ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር የመን ሚሳይላት ወንጪፉ፤ ምምሕዳር ሸብዋ 53 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ
ኣልጀዚራ፡ ሰኑይ ስልጠና ዝካየደሉ ዝነበረ መዓስከር ሰለስተ ባለስቲካዊ ሚሳይላት ወሪዶም ኢሉ። ሑቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ኣፍሊጡ፡ እቲ መደበር ናይ ስዑዲ ደገፍ ዘለዎ እዩ ኢሉ።
ብቐጥታኢትዮጵያሕብረት ሓይልታት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንድሕነት፡ ሩብዮ ዝበሎ ‘ገንጻሊ’ን ‘ሽበራዊ’ን መግለጺ ነጺጉ፤ ንዋሽንግተን ሚዛናዊ መርገጺ ክትሕዝ ጸዊዑ
እቲ ሸውዓተ ዕጥቃውን ፖለቲካውን ጉጅለታት ዝሓዘ ሕብረት፡ ስርሒታቱ መከላኸሊ ርእሱ ምዃኑ ገሊጹ። ኣዲስ ስታንዳርድ ብ19 ጥቅምቲ ጸብጺቡዎ።
ብቐጥታኢትዮጵያኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ ውግእ ከቶ ቀዳማይ ኣማራጺ ክኸውን ከምዘይብሉን ኩነታት ትግራይ ይህድእ ከምዘሎን ገሊጹ
ኣመሪካ ኣብ ዘተን ዲፕሎማስን ኣጸቢቓ ኣተኩራ ከምዘላ ገሊጹ፤ ሕብረት ሓይልታት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንድሕነት "ንዝያዳ ውግእን ዕንወትን ጥራይ እዩ ዝጽውዕ" ኢሉ።
ብቐጥታኢትዮጵያኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል ኪንዱ ገዙ፡ ሓይሊ ባሕሪ ፍሉያት ኣሃዱታት ውግእን ስልጠናን የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ገሊጹ
ቫይስ ኣድሚራል ኪንዱ ገዙ ንመንግስታዊ ተለቪዥን ኢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ቢሾፍቱ መሰልጠኒ ማእከል ባሕረኛታት ንመጀመርታ ጊዜ ሰልጣናት ተቐቢሉ ከምዘሎን ባሕራዊ ኮማንዶ ሻለቓታት ከምዝሰልጠኑን ገሊጹ።
ኣህጉራዊ ዜናኣሜሪካ ኣብ ኲናት ዩክረይን ናይ ውልቃ መገዲ ትኽተል ምህላዋ ተሓቢሩ
ደስኪሉ ዘሎ ርእሰ ማል ሩስያ ክልቀቕ ዘቕረበቶ እማመ ኣውሮጳ ኣይተቐበለቶን።
ኢትዮጵያህወሓት ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ
ወተሃደራዊ ጽዕነት ደው እንተዘይኢሉ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ዕላማ ከእትወን ምዃኑ ገሊጹ።
ኢትዮጵያጸብጻብ፡ ወተሃደራዊ መሓውር ብልጽግና ብናይ ግዳም ሓይልታት ይዝወር
ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ 365 ጽዕነት ነፈርቲ ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝረገፋ ተገሊጹ።
ኣህጉራዊ ዜናኣሜሪካውያን ተጋሩ ንማርኮ ሩብዮ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም
ኣብ ትግራይ ካልኣይ ዙር ጃምላዊ ህልቂት ከይፍጸም ኣተሓሳሲቦም።
ኣህጉራዊ ዜናግብጽን ሶማልያን ብዛዕባ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ተዘራሪበን
ውጽኢት ዋዕላ ኤል ኣላሜይን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘተኮረ ርክብ ኣካዪደን።
ኢትዮጵያኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነበሩ 1,447 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ካብቶም ተመለስቲ 1,139 ደቂ ተባዕትዮ፡ 261 ደቂ ኣንስትዮን 47 ህጻናትን እዮም።
ህጹጽኢትዮጵያሓይልታት ትግራይ ንከተማ ሓገረ ሰላም ከምዝተቖጻጸሩ ኣፍሊጦም
ካብ መቐለ ኣስታት 40 ኪሜ ብሸነኽ ሰሜን ምዕራብ እትርከብ ከተማ እያ።
ኣህጉራዊ ዜናወኪል ሳዲክ፡ ብድሆታት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ዝምርሑ ፍታሕ ክናደየሎም ጸዊዑ
መበል 12 መድረኽ ጣና ካብ 23 ክሳብ 25 ጥቅምቲ ኣብ ባህር ዳር ክካየድ እዩ።
ኣህጉራዊ ዜናግብጺ ንዘይማእከላይ ባሕሪ ሃገራት ወተሃደራዊ መእተዊ ከምዘይትፈቅድ ኣፍሊጣ
ንግዳዊ መእተዊ እንተፈቐደት እውን፡ ወተሃደራዊ መእተዊ ቀይሕ ባሕሪ ከልኪላ።
ኤርትራኤርትራ ኣብ ዋዕላ ንግድን ወፍርን ናይሮቢ ተሳቲፋ
ንልዕሊ 50 ሃገራት ዝወከሉ ልዕሊ 5 ሽሕ ተሳተፍቲ ተረኺቦም።
ኢትዮጵያኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮንን ሚሳይልን ኣቃሊዓ
እቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ትካላት ዒላማ ገይሩ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።
