ህወሓት ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ
ወተሃደራዊ ጽዕነት ደው እንተዘይኢሉ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ዕላማ ከእትወን ምዃኑ ገሊጹ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ናብ ወተሃደራዊ መዓላ ዝጥቀም ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ክድብድብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እዚ ዝሓበረ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ብምጥቃም ሎጂስቲካውን ሰብኣውን ጽዕነት ፌደራላዊ ሰራዊት ናብ መቐለ የጓዕዕዝ ምህላዉ ብጭብጢ ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዋን እዩ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ሲቪላዊ መገዲ ኣየር ከም ቀንዲ መሳርሒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ኣንጻር ኣህጉራዊ ሕጊ ምዃኑ ብምስማር፡ እቲ ተግባር ኣብ ዝሓጸረ እዋን ደው እንተዘይኢሉ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ዕላማታቱ ከእትወን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
እዚ ተግባር ግሉጽ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ምዃኑን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ክምርመር ከምዘለዎን ብዙሓት ይሰማምዑ።
ካብ ወገን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወግዓዊ መልሲ ኣይተዋህበን።
