ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮንን ሚሳይልን ኣቃሊዓ
እቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ትካላት ዒላማ ገይሩ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።

ኣሜሪካ፡ ብሓይልታት ጥምረት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ኣቃሊዓ ኮኒናቶ።
እቲ ጉዳይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይዝረበሉ ተኸልኪሉ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ብልጽግና ክሳብ ሕጂ ክከላኸሉሉ ጸኒሖም እዮም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ትካላት ዒላማ ገይሩ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።
ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን። እዞም ጸብጻባት ብናጻ ኣካል እውን ኣይተረጋገጹን።
