ግብጺ ንዘይማእከላይ ባሕሪ ሃገራት ወተሃደራዊ መእተዊ ከምዘይትፈቅድ ኣፍሊጣ
ንግዳዊ መእተዊ እንተፈቐደት እውን፡ ወተሃደራዊ መእተዊ ቀይሕ ባሕሪ ከልኪላ።

ግብጺ ምስቶም ኣብ ወሰን ባሕሪ ዘለዉ ሃገራት ብዝግበር ስምምዓት ኣቢላ ናይ ንግዲ መእተዊ ክትፈቅድ ከላ፡ ንዘይማእከላይ ባሕሪ ሃገራት ግን ናይ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መእተዊ ከምዝኸልከለት ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ነዚ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዞባ ናይ ባሕሪ ጸጥታ ንምሕያል ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝግበር ዘሎ ምትሕግጋዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
እዚ ውሳነ ዝመጸ፡ ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ መእተዊ ንምርካብ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሓደስቲ ፖለቲካዊ ሕቶታት ኣብ ዘልዓለትሉ እዋን እዩ።
ግብጺ ንንግዳዊ መስመራት እኳ እንተፈቐደት፡ ንወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ምኽልካላ ግን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ጽልዋ ንምሕላው ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።
