ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ደመራ መስቀል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላም ክህሉ ጸዊዑ
ቀንዲ መልእኽቲ መስቀል ሰላምን ሓድነትን፡ ሕድገትን ዕርቅን እዩ ኢሉ።

ብቐጥታ
'
ኤጀንሲ ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለጾ፡ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ብ26 መስከረም ኣብ ቀጽሪ መስቀል ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ደመራ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክህሉ ጸዊዑ። ቀንዲ መልእኽቲ መስቀል ሰላምን ሓድነትን፡ ሕድገትን ዕርቅን ምትካል እዩ ኢሉ።
ኤጀንሲ ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለጾ፡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ብ26 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀጽሪ መስቀል ኣብ ዝተኻየደ ደመራ መስቀል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክህሉ ጸዊዑ። ቀንዲ መልእኽቲ መስቀል ኣብ መንጎ ኩሉ ወዲ ሰብ ሰላምን ሓድነትን፡ ሕድገትን ዕርቅን፡ ፍቕርን ስምረትን ምትካል እዩ ኢሉ። ኢትዮጵያውያን ንሓድነቶም ዝዓናቕፉ ጸገማት ብትዕግስትን ርሕቀት ምርኣይን ክገጥሙዎም ኣተሓሳሲቡ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ጳጳሳት፡ ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ኣመንትን ተሳትፎም።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English