ኣብ ቀጽሪ መዓርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ነተጒ ተሰሚዑ፡ በረራታት ደው ኢሎም
ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ሎሚ ሶኒ ከቢድ ናይ ቦምብ ድምጺ ከምዝተሰምዐ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ብቐጥታ
'
EEPA ዝብሃል ኤውሮጳዊ ተቛጻጻሪ ትካል ብ28 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኩነታት፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ቢሾፍቱ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝጋጮ ሓበሬታ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ፈላማይ መጥቃዕቲ ብ26 መስከረም፡ ካልኣይ ድማ ብ27 መስከረም ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ። እዞም ጸብጻባት ብናጻ ክረጋገጹ ኣይተኻእለን።
ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ መዓርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ፡ ናብ ሎሚ ሶኒ 28 መስከረም ኣብ ዘውግሐ ኣብ ከባቢ ሰዓት 2፡30 ናይ ለይቲ ከቢድ ናይ ቦምብ ድምጺ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት እታ ሃገር ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ገሊጸን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን በረራታት ንግዚኡ ደው ኢሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ድሕሪ እቲ ሓያል ነተጒ፡ ዝኾነ ሰብ ናብ ቀጽሪ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከይኣቱ ዝኽልክል ጽኑዕ እገዳ ከምዝተነብረን ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ከምዘእተዉዎን እቶም ጸብጻባት ኣፍሊጦም።
እዚ ፍጻሜ፡ ኣብ ደብረዘይት ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ክልተ ግዜ ተፈጺሙ ዝበሃል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምግላጹ ዝስዕብ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ካብ በዓል መዚ እታ ሃገር ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English