ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ንግድን ወፍርን ናይሮቢ ተሳቲፋ
ንልዕሊ 50 ሃገራት ዝወከሉ ልዕሊ 5 ሽሕ ተሳተፍቲ ተረኺቦም።

ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ምምራሕ ሓድሽ መዋእል ንግዲ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተቓነዐ ዋዕላ ንግድን ወፍሪን ተሳቲፋ።
ኣብዚ ዋዕላ ንልዕሊ 50 ሃገራት ዝወከሉ ኣፍረይቲ፡ ኣቕረብቲ፡ ኣውፈርትን ወከልቲ ንግዳዊ ኣካላትን ዝርከብዎም ልዕሊ 5 ሽሕ ተሳተፍቲ ተረኺቦም።
ቀንዲ ዛዕባታት ናይቲ ዋዕላ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ምህዞ፡ መሪሕነትን ምትእስሳርን ምንባሩ ተገሊጹ።
እቲ ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ፡ ልኡላውነት ማያዊ ኣካላትን ሰላምን፡ ብልጫታት ደቂኣንስትዮን መንእሰያትን ማእከል ዝገበረ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ከምኡ እውን ኢንዱስትሪያዊ ልኡላውነት ዘተኰረ ምንባሩ ተሓቢሩ።
ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታት ንምዕባይን ሰላም ኣፍሪቃ ንምርግጋጽን ብውህደት ክስራሕ ከምዘድሊ ኣብቲ ዋዕላ ተዘትዩ።
