ኣሜሪካውያን ተጋሩ ንማርኮ ሩብዮ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም
ኣብ ትግራይ ካልኣይ ዙር ጃምላዊ ህልቂት ከይፍጸም ኣተሓሳሲቦም።

ወከልቲ ማሕበረሰብ ኣሜሪካውያን ተጋሩ፡ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩብዮ ህጹጽ ቅሉዕ ደብዳበ ኣቕሪቦም።
እቲ ደብዳበ፡ ሩብዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብ14 ጥቅምቲ ዝገበሮ ወግዓዊ ርክብ ኣመልኪቱ ጽኑዕ ስግኣቶም ይገልጽ።
ትግራይ ተገንጻሊት ኰነ ግብረ-ሽበራዊት ከምዘይኮነት ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ድሮን መጥቃዕትን ምጥሓስ ውዕሊ ፕሪቶርያን ጠመተ ክዋሃቦ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ከምዘሎን ነዚ ንምክያድ ብኣሜሪካ ዝፈረያ ነፈርቲ ቦይንግ ምጥቃሙ ክጻረ ከምዝግባእን እውን ሓቲቶም።
እቲ ጥርዓን ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ዝቐንዐ ከምዘይኮነን ንፍትሒ፡ ተሓታትነትን ዘላቒ ሰላምን ዝዓለመ ምዃኑን ብምግላጽ፡ ምስ ሩብዮ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ይጽበዩ ምህላዎም ሓቢሮም።
