ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህጹጽ መጠንቀቕታታት ኣውጺኡ
ሕብረት ኤውሮጳ ኩሎም ወገናት ናብ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ፤ ኤምባሲ ኣመሪካ ንዜጋታቱ ኣጠንቂቑ

ዳዋን ኣፍሪቃ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተል ከምዘሎ ገሊጹ ኢሉ። እተን ክልተ ሃገራት ናይ ሓድሕደን ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክሕልዋ ጸዊዑ፤ ጉዳየን ከኣ ብመሰረት እቲ ብ2018 ዝኸተማኦ ስምምዕ ሰላም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሓ ሓቲቱ። እቲ ጸብጻብ ስም ዝኾነ ጃፓናዊ ሓላፊ ኣይጠቐሰን።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ እናገደደ ብምኻዱን ኣብ ክልል ትግራይ ዳግማይ ዝተወለዐ ጎንጺ ስዒቡን፡ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ኣመሪካን ተኸታተልቲ መጠንቀቕታታትን መግለጺታትን ኣውጺኦም።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ጎንጺ ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዘፍርስ ጥራይ ዘይኮነስ ንርግኣትን ጸጥታን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
እቲ ሕብረት ኩሎም ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ተቖጢቦም ናብ መድረኽ ዘተ ክምለሱ፡ ኤርትራ እውን ወተሃደራታ ካብ ዶብ ክትስሕብ ጸዊዑ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብወገኑ ንዜጋታቱ ህጹጽ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ። እቲ ኤምባሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ትካላትን መዓስከራትን ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ስለ ዝኽእሉ ዜጋታቱ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።
