ፕረዚደንት ክልል ዓፋር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ
ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢዱ ከእቱ ጸዊዑ። ካብ ኤርትራ ዝኾነ መልሲ ኣይተዋህበን።

ፕረዚደንት ክልል ዓፋር፡ ሎሚ ሶኒ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ክሲ ኣቕሪቡ።
ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብመሪሕነቱን ከበድቲ ኣጽዋሩን ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘሎ ጽርግያ ቆሪጹ ሃገራዊ ናይ ቀረብ መስመሮም ናብ ወደባት ጅቡቲ ከይበጽሕ ይጽዕር ኣሎ ክብል ከሲሱ።
እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዓቕሚ ሓይልታት እቲ ክልል ንላዕሊ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ፕረዚደንት፡ ንሰራዊት ናይ ሓንቲ ሃገር ብምልእታ ኢና ገጢሙና ዘሎ ብምባል፡ እቲ ጸገም ዶባት ብሓይሊ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ስለዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ምትእትታው ክገብር ሓቲቱ።
ነዚ ክሲ ብዝምልከት ካብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህበን።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English