MSF፡ ኣብ ሆስፒታላት ቆረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ቁስለኛታት ኲናት ብኣርባዕተ መዓልቲ ካብ 180 ናብ ልዕሊ 420 ዓሪጎም ኢሉ
እቲ ማሕበር፡ ክሳብ 25 መስከረም ልዕሊ 300 ቁስለኛታት ናብ ሆስፒታል ስሑል ኣብ ሽረ ከምዝኣተዉን፡ ኣብ ኣላማጣ ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ጠጠው ከምዘበሎን ገሊጹ።

ሓካይም ብዘይ ዶብ (MSF) ብ28 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ቆረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ቁስለኛታት ኲናት ካብ 22 ክሳብ 25 መስከረም ካብ ኣስታት 180 ናብ ልዕሊ 420 ዓሪጎም። ክሳብ 25 መስከረም ልዕሊ 300 ቁስለኛታት ናብ ሆስፒታል ስሑል ኣብ ሽረ ኣትዮም። ኣብ ኣላማጣ ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ጠጠው ኣቢሉዎ።
ሓካይም ብዘይ ዶብ (MSF) ብ28 መስከረም ከምዝበሎ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ቆረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ብኲናት ዝቖሰሉ ሰባት፡ ካብ 22 ክሳብ 25 መስከረም ካብ ኣስታት 180 ናብ ልዕሊ 420 ዓሪጎም። ክሳብ 25 መስከረም ድማ ልዕሊ 300 ቁስለኛታት ናብ ሆስፒታል ስሑል ኣብ ሽረ፡ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ኣትዮም። እቲ ማሕበር ኣብ ኣላማጣ ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ብሰንኪ እቲ ኩነታት ጠጠው ኣቢሉዎ። ናይ ደገ ንጥፈታቱ እውን ብሰንኪ ጸጥታ ኣቋሪጹ፡ ሰራሕተኛታቱ ናብ ደገፍ ሆስፒታላት ኣብ ሽረ፡ ሸራሮን ቆረምን ኣተኲሩ። MSF፡ ኣብዚ እዋን ወሰኽ ውግእ ንድሕነት ሲቪላትን ንጥዕና ዝግበር ኣገልግሎት ክረኽቡ ምኽኣሎምን ተሻቒሉ ከምዘሎ ገሊጹ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English