ግብጽን ሶማልያን ብዛዕባ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ተዘራሪበን
ውጽኢት ዋዕላ ኤል ኣላሜይን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘተኮረ ርክብ ኣካዪደን።

ግብጽን ሶማልያን ኣብ ውጽኢት ዋዕላ ኤል ኣላሜይን ምትግባርን ድሕነት ቀይሕ ባሕሪን ዘተኮረ ርክብ ኣካዪደን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ምስ ናይ ሶማልያ መዘንኡ ዓብዲሰላም ዓሊ ብሰንበት ብተሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዕላል፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዘለዉ ስትራቴጂካዊ ምዕባለታት ብዕምቆት ተመያይጦም።
ፕረዚደንት ዓብደል ፋታህ ኣል-ሲሲ ኣብ መፈለምታ ጥቅምቲ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድን ሓላፊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብደል ፋታህ ኣል-ቡርሃንን ናይ ሓባር ዋዕላ ከምዘአንገደ ዝዝከር እዩ።
ሚኒስተር ዓብደልዓጢ፡ ግብጺ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዘለዋ ደገፍ ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሓድሽ ስትራተጂካዊ ኪዳን፡ ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ናይቶም ኣብ ወሰን ባሕሪ ዘለዉ ሃገራት ጥራይ ሓላፍነት ምዃኑ የስምረሉ።
