ግብጺ ነቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ርያድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒና
ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም፤ ግብጺ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምሉእ ክትተሓባበር ምዃና ኣፍሊጣ

ሰበ ስልጣን ሲቪል ኣየር ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ተቐቲሎም 309 ከም ዝተጎድኡ ኣፍሊጡ። እቲ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕ ሕብረት ነቲ መጥቃዕቲ ንሑቲ የመን ኣሰክዩ ናይ ኲናት ገበን እዩ ኢሉ፤ ሱዕዲ ዓረብ ኣትሪራ ኣጸፋዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ኣፍሊጣ፡ በረራታት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ጌና ተቛሪጾም ኣለዉ ክብል ኣልጀዚራ ገሊጻ።
ግብጺ ነቲ ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ዒላማ ገይሩ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣመልኪታ ተሪር ኩነኔ ከም ዘስምዐት ኢጂፕት ቱደይ ገሊጻ።
እቲ ኣብ ርያድ ንመዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድን ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ስዑዲ ዓረብያን ዒላማ ገይሩ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ ከለዉ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከም እተጎድኡ እታ መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ።
ግብጺ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ነዚ ንኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣትሪራ ብምንጻግ፡ ጸጥታን ልኡላውነትን ከምኡውን ድሕነት ዜጋታት ንምሕላው ምስታ ንግስነት ብምሉእ ክትተሓባበር ምዃና ኣፍሊጣ።
እቲ መጥቃዕቲ በረርቲ ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ ንኣህጉራውን ዞባውን ጸጥታን ርግኣትን ዘነኣእስ ምዃኑ ዝገለጸት ግብጺ፡ ንንግስነት ስዑዲ ዓረብን ህዝባን ጽንዓት፡ ንዝተጎድኡ ድማ ቅልጡፍ ምሕዋይ ተመንያ።
