ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ጂም በይርድ፡ ሕርሻዊ ሰደድን ንግድን ምስ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘተኣሳስር ክልተ ንድፊ ሕጊ ከቕርብ ምዃኑ ተገሊጹ
ዘ ሂል ከምዝሓበሮ፡ እቶም ኢትዮጵያ ስፓርክ ኣክትን ኤርትራ ፒላር ኣክትን ዝተባህሉ ንድፍታት ሓሙስ ክቐርቡ እዮም።

ዘ ሂል ከምዝሓበሮ፡ ኣባል ባይቶ ተወከልቲ ኣመሪካ ጂም በይርድ፡ ኢትዮጵያ ስፓርክ ኣክትን ኤርትራ ፒላር ኣክትን ዝተባህሉ ክልተ ንድፊ ሕጊ ሓሙስ ከቕርብ እዩ። እቶም ንድፍታት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ነባሪ ሰላም ዝወስድ ስጉምቲ እንተወሲደን ናይ ኣመሪካ ሕርሻዊ ፍርያትን መሳርሒታትን ክረኽባ ዕድል ይኸፍታ።
ጂም በይርድ፡ ኣባል ባይቶ ተወከልቲ ኣመሪካ ካብ ኢንድያና ከምኡ እውን ኣባል ናይቲ ኣብ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ዝርከብ ንኡስ ሽማግለ ኣፍሪቃ፡ ሓሙስ ክልተ ንድፊ ሕጊ ከቕርብ ምዃኑ ጋዜጣ ዘ ሂል ኣፍሊጣ። እቶም ኢትዮጵያ ስፓርክ ኣክትን ኤርትራ ፒላር ኣክትን ዝተባህሉ ንድፍታት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ነባሪ ሰላም ዝወስድ ስጉምቲ እንተወሲደን፡ ናይ ኣመሪካ ሕርሻዊ ፍርያት፡ መሳርሒ ሕርሻን ክእለትን ክረኽባ ዕድል ይኸፍታ። እቶም ንድፍታት፡ ኣመሪካ ኣብ ምውጻእ ወሳኒ ማዕድናትን ኣብ ምጥቃም ትሕተ ቕርጺ ወደባትን ክትሕግዝ ይጽውዑ፤ ምንካይ ቀረጽን ዝሓሸ ናይ ንግዲ ኩነታትን ከም መተባብዒ የቕርቡ። በይርድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብዚ ቁጠባዊ ዕድል ክትጥቀም ከምእትኽእልን እዚ ድማ ንነባሪ ሰላም መሰረት ክኸውን ከምዝኽእልን ገሊጹ፤ እዚ ስጉምቲ ነተን ክልተ ሃገራት ካብ ምስ ቻይና ዘለወን ዝምድና ንምርሓቕ ዝዓለመ ምዃኑ እውን ዘ ሂል ኣፍሊጣ። እዚ ንድፊ ሕጊ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶብ ተኣኻኺቦም ዘለዉሉ እዋን እዩ። ዘ ሂል ከምዝገለጾ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣብ 14 ጥቅምቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ፡ ናብቲ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም ናይ ምምላስ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።
