ተዓዘብቲ ግጭት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ናብ ወደብ ዓሰብ ዘብጽሕ መንገዲ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ቡረ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዘዋፈረ ገሊጾም
ክሪቲካል ትረትስ ፕሮጀክት ናይ ሳተላይት ስእልታትን ክልተ ተዓዘብቲ ግጭትን ጠቒሱ ኣፍሊጡ። ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ክሳብ ሕጂ ዝሃብኦ መግለጺ የለን።

ክሪቲካል ትረትስ ፕሮጀክት ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ክልተ ተዓዘብቲ ግጭትን ናይ ሳተላይት ስእልታትን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ናብ ወደብ ዓሰብ ዘብጽሕ ጽርግያ ዝርከብ ሰፈራቱ ከምዘደልደለ ከምዝሕብሩ ገሊጹ። ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ዞባ ዓፋር እትርከብ ከተማ ቡረ ተወሳኺ ሓይሊ ከምእተዋፈረ ድማ ተገሊጹ። እቲ ጸብጻባት ብነጻ ኣይተረጋገጸን።
ክሪቲካል ትረትስ ፕሮጀክት ኣብቲ ዓርቢ ዘውጽኦ ሰሙናዊ ጸብጻብ ውግእ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ተዓዘብቲ ግጭትን ናይ ሳተላይት ስእልታትን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ናብ ወደብ ዓሰብ ዘብጽሕ ጽርግያ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብ ሰፈራቱ ከምዘደልደለ ከምዝሕብሩ ገሊጹ። እቲ ጸብጻብ፡ ዘ ኢትዮጵያን ኮንፍሊክት ማፕ ዝበሃል ተዓዛቢ ሓሙስ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብታ ኣብ ዞባ ዓፋር እትርከብ ከተማ ቡረ ትሕቲ ሸሞንተ ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ወገን ዶብ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዘዋፈራ ከምዝገለጸ ኣረዲኡ። ተዓዛቢ ሳጂድ ናዲም ድማ ብ14 ሕዳር ሓይልታት ኤርትራ ናብ ዓሰብ ይግዕዙ ከምዘለዉ ገሊጹ ነይሩ። ክሪቲካል ትረትስ ፕሮጀክትን ኢንስቲትዩት ፎር ዘ ስተዲ ኦፍ ዎርን ድማ፡ ካብ መጀመርታ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ጥቓ እቲ ቡረን ዓሰብን ዘራኽብ ጽርግያ ናይ ተሽከርከርቲ ኣሰር ከምዝወሰኸ ናይ ሳተላይት ስእልታት ከምዘርእያ ገሊጾም። ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዛዕባ እቲ ዝተገልጸ ምንቅስቓስ ዝሃብኦ መግለጺ የለን፤ እቲ ጸብጻባት ብነጻ ኣይተረጋገጸን።
