ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ሲቪላት ከምዝተቐትሉን ገለ ትካላት ጥዕና ከምዝተዓጽዋን ገሊጹ
ምክትል ዳይረክተር ኣፍሪቃ ናይቲ ውድብ ለቲሻ ባደር ንኤጀንሲ ኤፒ፡ ናጻ ክትትል፡ ምምላስ መስመር ርክብን ውሑስ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝን ክህሉ ጸዊዓ። እቲ ጸብጻብ ብናጻ ኣይተረጋገጸን።

ብቐጥታ
'
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ሲቪላት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ዝሕብር ጸብጻባት በጺሑዎ ከምዘሎን በቲ ደብዳብ ገለ ትካላት ጥዕና ከምዝተዓጽዋን ገሊጹ። መን ነቲ ደብዳብ ከምዘካየዶ ኣይጠቐሰን።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ሲቪላት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ዝሕብር ጸብጻባት በጺሑዎ ከምዘሎ ገሊጹ። በቲ ደብዳብ ገለ ትካላት ጥዕና ዕጹዋት ከምዝኾና እውን ወሲኹ ሓቢሩ። ምክትል ዳይረክተር ኣፍሪቃ ናይቲ ውድብ ለቲሻ ባደር ንኤጀንሲ ኤፒ፡ ናጻ ክትትል፡ ምምላስ መስመር ርክብን ውሑስ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝን ክህሉ ጸዊዓ። እቲ ውድብ መን ነቲ ደብዳብ ከምዘካየዶ ኣይጠቐሰን። እቲ ጸብጻብ ብናጻ ክረጋገጽ ኣይከኣለን።
እዛ ዜና ብኻልእ ቋንቋ'ውን ኣላ፦
English