ኤርትራ ንሕቡራት ሃገራት ናይ መግትኢ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዓ
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ንመላእ ዞባ ዘይምርግጋጽ ዝፈጥር እዩ ኢሉ

ኤርትራ፡ ድሕሪ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ኣዋጅ ውግእ ክትብል ዝገለጸቶ ምዕባለ፡ ሕቡራት ሃገራት ናይ መግትኢ ስጉምትታት ክወስድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ዑስማን ሳልሕ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ኣብ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዓቢ ዕንወት ዘስዕብን ንመላእ ዞባ ዘይምርግጋጽ ዝፈጥርን እዩ ክብል ወቐሳኡ ገሊጹ።
እቲ ደብዳቤ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብ9 ጥቅምቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ነቲ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣዊጅዎ ዘሎ ኲናት ንምትግባር ስጉምትታት ይወስድ ምህላዉ ድሕሪ ምሕባሩ ዝተጻሕፈ እዩ።
ኤርትራ ነቲ ብርእሰ ምክልኻል ዝብል ዝቐርብ መብርሂ ባዶን መታለልን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ባይቶ ጸጥታ ብመሰረት 7ይ ምዕራፍ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ገታኢ ስጉምትታት ክወስድ ሓቲታ።
