ኤርትራ፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ኣስዋን፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፍነት ናይተን ገማግም ሃገራት ምዃኑ ኣረጋጊጸን
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ጎኒ መድረኽ ኣስዋን ተራኺቦም፤ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ከምዝድግፉ ገሊጾም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መድረኽ ኣስዋን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ መሪሕነት ኢትዮጵያ ካብ 2023 ጀሚሩ ናጽነት ኤርትራ "ታሪኻዊ ጌጋ" እናበለ ኣብ ልዕሊ ወደብ ዓሰብን ደቡባዊ ገማግም ኤርትራን ዘይሕጋዊ ጠለብ ከምዘቕረበ ገሊጹ። ነዚ ዘመተ ኤርትራ ከም ዘይተቐስቀሰ ኣዋጅ ውግእ ከምእትርእዮ ድማ ኣፍሊጡ፤ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብዘይ ኣድልዎ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክሕልዋ ጸዊዑ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደላጢን ሱዳን ሙሕየዲን ሳልምን ቀዳም ዕለት ኣብ ጎኒ መድረኽ ኣስዋን ከምእተራኸበ ዴይሊ ኒውስ ኢጅፕት ገሊጹ። እተን ሰለስተ ሃገራት ምምሕዳርን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ሓላፍነት ናይተን ኣብ ገማግሙ ዝርከባ ሃገራት ምዃኑ ገሊጸን፤ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ልዑላውነት ሱዳንን ከምዝድግፋ ድማ ኣረጋጊጸን። ኣብቲ መግለጺ ኢትዮጵያ ብስማ ኣይተጠቕሰትን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደላጢን ሱዳን ሙሕየዲን ሳልምን ቀዳም ዕለት ኣብ ኣስዋን፡ ኣብ ጎኒ መድረኽ ኣስዋን ንቐጻሊ ሰላምን ልምዓትን ከምእተራኸበ ዴይሊ ኒውስ ኢጅፕት ገሊጹ። እተን ሰለስተ ሃገራት፡ ምምሕዳርን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ሓላፍነት ናይተን ኣብ ገማግሙ ዝርከባ ሃገራት ምዃኑን ናጽነት መጓዓዝያ ባሕሪ ክሕሎ ከምዘለዎን ገሊጸን፤ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ልዑላውነት ሱዳንን ከምዝድግፋ ድማ ኣረጋጊጸን። ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ኢትዮጵያ ብስማ ኣይተጠቕሰትን። ሶማልያ፡ ኣብቲ ብጥቅምቲ ኣብ ኣል-ዓላመይን እተኻየደ ናይ ኣርባዕተ ሃገራት ዋዕላ እኳ እንተተሳተፈት፡ ኣብዚ ናይ ኣስዋን ርክብ ኣይተሳተፈትን። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ካይሮ ንሶማልያ ብዛዕባ እቲ ዘተ ክትሕብራ ምዃና ከምዝገለጸ እቲ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።
