ስዑዲ ዓረብ ዓቐን መጥቃዕቲ ሑቲ ኣሚና
እቲ መጥቃዕቲ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ምዃኑ ኣፈኛ እቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንቲ ታሪክ ኣል-ማልኪ ገሊጹ።

ብዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ቁጠባውን ዕላማታት ስዑዲ ዓረብ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ባልስቲክ ሚሳይል መጥቃዕቲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምዃኑን፡ ርያድ ነብሳ ንምክልኻል ዝከኣል ዘበለ ትገብር ምህላዋን፡ ኣፈኛ እቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንታዊ ጉጅለ ታሪክ ኣል-ማልኪ ብ15 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተኣሚኑ።
ሑቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት የመን ይግስግስ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ኣፈኛ፡ እቲ ጉጅለ ዳርጋ 70 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ መሬት የመን ተቖጻጺሩ ምህላዉ ጠቒሱ።
ብዙሓት ዞባውያን ሃገራት ብመገዲ እዚ ጉጅለ ኣቢለን ዞባዊ ረብሓታተን ንምትግባር ይጽዕራ ምህላወን ዝገለጸ ኣል-ማልኪ፡ ሑቲ ዝተራቐቐ ዘመናዊ ኣጽዋር ዓጢቑ ምህላዉን ብክሩዝን ባልስቲክን ሚሳይላት ዓበይቲ ከተማታት ስዑዲ ዓረብ ዕላማ ይገብር ምህላዉን ሓቢሩ።
ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ዛጊት ልዕሊ 120 ኣብ ኣኽራናት ዝተደኮነ ወተሃደራዊ ዕላማታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሩ ምህላዉ እውን ጠቒሱ።
ብወገኑ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ ዝግበር ልፍንታዊ ደብዳብ ደው እንተዘይኢሉ፡ ንዕላማታት ኩባንያ ጸዓት ARAMCO በብሓደ ከዕንዎም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
