ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነበሩ 1,447 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ካብቶም ተመለስቲ 1,139 ደቂ ተባዕትዮ፡ 261 ደቂ ኣንስትዮን 47 ህጻናትን እዮም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1,447 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ካብቶም ተመለስቲ 1,139 ደቂ ተባዕትዮ፡ 261 ደቂ ኣንስትዮን 47 ህጻናትን ክኾኑ እንከለዉ፡ 47 ካብኣቶም ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ኮተቴ እዮም።
ንዝተመለሱ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ማእከላት መጸበይን ግቡእ ሓገዝ እናተገብረሎም ምስ ስድራቤቶም ናይ ምጽምባር ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊጹ።
