ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዋሺንግተን ምስ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ተራኺቡ፤ ምልዓል ሃገር-በይናዊ እገዳ ኣመጒሱ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ዋሺንግተን ምስ ኣሊሰን ሁከርን ፍራንክ ጋርስያን ተዘራሪቡ ክብል ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ብቐጥታ
'
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ዋሺንግተን ምስ ኣሊሰን ሁከርን ፍራንክ ጋርስያን ተራኺቡ። ዑስማን ምልዓል ሃገር-በይናዊ እገዳ "ኣወንታውን ኣገዳስን ስጉምቲ" ኢሉ ጸዊዑዎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ዋሺንግተን ምስ ኣንደር ሰክረታሪ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ኣሊሰን ሁከርን ኣሲስታንት ሰክረታሪ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ፍራንክ ጋርስያን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሻባይት ሓቢሩ። ዑስማን ሳልሕ ምልዓል ሃገር-በይናዊ እገዳ "ኣወንታውን ኣገዳስን ስጉምቲ" ምዃኑ ገሊጹ፡ ኣብ ርክብ ኤርትራን ኣሜሪካን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ኢሉ። እቲ ዘተ ንንግድን ወፍርን፡ ከምኡ ድማ ተራ ኤርትራ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደንን ለቓቒቦ ኒልን ዝምልከት ነይሩ ክብል ሻባይት ገሊጹ። ኣሊሰን ሁከር በቲ ወገና፡ እቲ እገዳ ምልዓል ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተመርኮሰ ዝምድና ሃገራት ካብ ዘለዎ ተገዳስነት ዝመንጨወ እዩ ኢላ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English