ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኤርላይንስን ዘጠቓልሉ 161 ሰባት ካብ መቐለ ናብ ሰመራ ኣሰጋጊሩ
እቲ ኮሚተ፡ ብሕቶን ፍቓድን ኩለን ዝምልከተን ኣካላት፡ ገለልተኛን ናጻን ኣቦ ዕርቂ ኮይኑ ከምዝሰርሐ ገሊጹ።

ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰኑይ 28 መስከረም 161 ሰባት ካብ መቐለ ናብ ሰመራ ከምዘሰጋገረ ገሊጹ። ኣባላት ፈደራል ፖሊስን ስድራቤቶምን፡ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኤርላይንስን ስድራቤቶምን፡ ኣባላት ጸጥታ ሲቪል ኣቪየሽን፡ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባላት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን የጠቓልሉ። ዘ ኢስትሊ ቮይስ ከምዝገለጾ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ምስ ሒዙ፡ ኢትዮጵያ ኤርላይንስ ናብቲ ክልል ዝግበር በረራታት ኣቋሪጻቶ ኣላ።
ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ከምዝገለጾ፡ ብሰኑይ 28 መስከረም 161 ሰባት ካብ መቐለ ትግራይ ናብ ሰመራ ዓፋር ኣሰጋጊሩ። እዚ ዝተገብረ ብሕቶን ፍቓድን ኩለን ዝምልከተን ኣካላት ምዃኑ፡ ንሱ ድማ ገለልተኛን ናጻን ኣቦ ዕርቂ ኮይኑ ከምዝሰርሐ ኣረዲኡ። ካብቶም ዝተሰጋገሩ፡ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ስድራቤቶምን፡ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኤርላይንስን ስድራቤቶምን፡ ኣባላት ጸጥታ ሲቪል ኣቪየሽን፡ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባላት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ከምዝርከብዎም ገሊጹ። እቶም ዝተሰጋገሩ፡ ብኣርማ ቀይሕ መስቀል ዝተሰየማ ኣውቶቡሳት፡ ብሰራሕተኛታት ICRC እናተሰነዩ ተጓዒዞም።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English