ሑቲ፡ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ወደብ ሑደይዳ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ ወደብ ጅዳን ኩለን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ሱዕድን ዒላማ ከምዝዀና ኣጠንቂቑ
ቃል ኣቀባሊ ሰራዊት ሑቲ የሕያ ሳሪዕ፡ ሰራሕተኛታት ወደባት ብህጹጽ ክወጹን ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ መራኽበን ከልዕላን ጸዊዑ። ድሕሪ እቲ መግለጺ፡ እቲ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕ ዳግማይ ሰልፊ ኣብ ሑደይዳ ከምዝሃረመ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሑቲ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ወደብ ሑደይዳ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ ወደብ ጅዳን ኩለን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ሱዕድን ዒላማ ከምዝዀና ከምዝሓበረ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ቃል ኣቀባሊ ሑቲ የሕያ ሳሪዕ፡ ሰራሕተኛታት ወደባት ብህጹጽ ክወጹን ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ መራኽበን ከልዕላን ጸዊዑ። ድሕሪ እቲ መግለጺ፡ እቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ዳግማይ ሰልፊ ኣብ ሑደይዳን ኣብ ዞባታት ሰዓዳን ዓምራንን ከምዝሃረመ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሑቲ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሱዕዲ ዓረብ ነቲ ኣብ ወደብ ሑደይዳ ናይ ምህራም ምፍርራሓ ኣብ ተግባር እንተ ኣውዒላ፡ ወደብ ጅዳን ኩለን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ሱዕድን ዒላማ ከምዝዀና ከምዝሓበረ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ቃል ኣቀባሊ ሑቲ የሕያ ሳሪዕ ኣብቲ መግለጺ፡ ኣብተን ወደባት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ኣብ ጥቓአን ዝርከቡ ሰባትን ብህጹጽ ክወጹ፡ ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ ድማ መራኽበን ከልዕላ ጸዊዑ። ድሕሪ እቲ መግለጺ፡ እቲ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕ ዳግማይ ሰልፊ፡ ኣብ ሑደይዳ ዝርከብ ዓቕምታትን ኣብ ዞባታት ሰዓዳን ዓምራንን ዝርከብ ዒላማታትን ከምዝሃረመ ኣፍሊጡ። ካብ መስከረም ጀሚሩ ሑቲ ናብ ባብ ኤል መንደብ ገስጊሱ፡ እቲ ውግእ ከኣ ገኒኑ ይርከብ። ሓንቲ ትካል ጸጥታ ባሕሪ፡ ክሳብ ወጋሕታ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ወደባት ሱዕዲ ዝዀነ መጥቃዕቲ ከምዘይተፈጸመ ገሊጻ።
