ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ዩክረይን ናይ ውልቃ መገዲ ትኽተል ምህላዋ ተሓቢሩ
ደስኪሉ ዘሎ ርእሰ ማል ሩስያ ክልቀቕ ዘቕረበቶ እማመ ኣውሮጳ ኣይተቐበለቶን።

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ተኣኪቦም ኣብ ጎኒ ዩክረይን ምዃኖም ኣብ ዝወሰንሉ እዋን፡ ኣሜሪካ ናይ ውልቃ መገዲ ትኽተል ምህላዋ ጋዜጣ ዘ ፋይናንሻል ታይምስ ሓቢሩ።
ኣሜሪካ ኲናት ዩክረይን ደው ክብል ድሪኺት ንምፍጣር፡ እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ደስኪሉ ዘሎ ቢልዮናት ዶላራት ርእሰ ማል ሩስያ ክልቀቕ እማመ ኣቕሪባ ኣላ።
ሩስያ፡ እቲ ደስኪሉ ዘሎ ገንዘብ ንዩክረይን እንተተዋሂቡ ከቢድ ግብረ መልሲ ከምእትህበሉ ኣጠንቂቓ።
መሻርኽቲ ዩክረይን ዝኾና ሃገራት ኤውሮጳ ግን ነቲ እማመ ኣይተቐበላኦን። ቻንስለር ጀርመን ፍረድሪክ መርዝ፡ እቲ ደስኪሉ ዝርከብ ርእሰ ማል ንሕብረት ኤውሮጳ ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ ገሊጹ።
ሃገራት ምዕራብ፡ ኲናት ዩክረይን ኣብ 2022 ድሕሪ ምውልዑ ኣስታት 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ርእሰ ማል ሩስያ ምድስካለን ይዝከር። ሞስኮ ነዚ ስጉምቲ ቅሉዕ ስርቂ ክትብል ኮኒናቶ እያ።
