ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ሓገረ ሰላም ከምዝተቖጻጸሩ ኣፍሊጦም
ካብ መቐለ ኣስታት 40 ኪሜ ብሸነኽ ሰሜን ምዕራብ እትርከብ ከተማ እያ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንከተማ ሓገረ ሰላም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእተዉዋ ኣፍሊጦም። እታ ከተማ ካብ መቐለ ኣስታት 40 ኪሎ ሜተር ብሸነኽ ሰሜን ምዕራብ ትርከብ።
በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝሓበሩዎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ራማ ናብ ዓድዋ ይስሕብ ከምዘሎ ይግለጽ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መዳወቢ ከባቢታት፡ ራማን ዛላምበሳን ሓዊሱ ንድሕሪት ይስሕብ ከምዘሎን ነቲ ዝተረፈ ሓይሉ ድማ ኣብ ሽረ፡ ሸራሮ፡ ኣኽሱም፡ ዓድዋን ዓዲግራትን የኻዕብቶ ከምዘሎን ተገሊጹ።
ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ ማእኸል ዛናን ደደቢትን ድሮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከምዝኣተዋ ይንገር።
እዞም ክልቲኦም ጸብጻባት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጹን።
