ዶ/ር ደብረጽዮን፡ እቲ ውግእ ናብ ሓድሽን ወሳንን ምዕራፍ ከምዝተሰጋገረ ገሊጹ
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ፡ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ሓይልታት መእተዊኦም እምበር መውጽኢኦም ከምዘይፈልጡ ተዛሪቡ

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ሓድሽን ወሳንን ምዕራፍ ከምዝተሰጋገረ ገሊጹ።
ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተዉ ሰራዊት ፌደራልን መሻርኽቱን መእተዊ መንገዶም እምበር መውጽኢኦም ከምዘይፈልጡ ዝበለ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ናይቲ ወራሪ ሓይሊ መቓብር ኣብ መሬት ትግራይ ከምዝኸውን ተዛሪቡ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ሓይልታት ብምውህሃድ ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ግንባራት ራያ፡ ኣላማጣ፡ ጨርጨር፡ ወጀራትን ኣበርገለን ይምክቱ ከምዘለዉ ድማ ሓቢሩ።
ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ሰራዊት ፌደራል ናብ ከተማ መቐለ ተቐሪቡ ከምዘሎን፡ ብሸነኽ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ሓይልታቱ ካብታ ከተማ ኣስታት 20 ኪሎ ሜትር ከምዝረሓቑን ይገልጻ ኣለዋ። ናትና ቲቪ ነዚ ብገዛእ ርእሱ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ካብ ወተሃደራዊ ትካላትን ትሕተ-ቅርጽን ክርሕቕን ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብርን ተማሕጺኑ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English