ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝለዓለ ትዕግስቲ ክገብራን ናብ ስምምዕ ሰላም 2018 ክምለሳን ጸዊዑ
እቲ መግለጺ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ወተሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክጸውር ኣይክእልን ይብል።

ብቐጥታ
'
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝለዓለ ትዕግስቲ ክገብራን ናብ ስምምዕ ሰላም 2018 ክምለሳን ጸዊዑ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ወተሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክጸውር ኣይክእልን ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝለዓለ ትዕግስቲ ክገብራን ናብ ስምምዕ ሰላም 2018 ክምለሳን ጸዊዑ። እዚ ጻውዒት፡ ቀዳም ብዛዕባ ዝዓረገ ውጥረት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሰፈረ እዩ። እቲ መግለጺ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ "ካልእ ወተሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክጸውር ኣይክእልን" ኢሉ። ክልቲአን ሃገራት ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብተን ክሕልዋ እውን ጸዊዑ። ዘተ ጥራይ እዩ ናብ ነባሪ ሰላም፡ ልምዓትን ዞባዊ ምርግጋእን ዝወስድ መንገዲ ኢሉ ወሲኹ። እቲ መግለጺ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝተዘርግሐ እዩ፤ ትሕዝቶኡ ድማ ዋሺንግተን ፖሊሲ ሪቪው ብዝጠቐሶ መሰረት እዩ።
