ጸብጻብ፡ ወተሃደራዊ መሓውር ብልጽግና ብናይ ግዳም ሓይልታት ይዝወር
ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ 365 ጽዕነት ነፈርቲ ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝረገፋ ተገሊጹ።

ወተሃደራውን ጸጥታውን መሓውር ሰልፊ ብልጽግና ቅንጣብ ዘቤታዊ መሰረት ከምዘይብሉን ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝዝወር ምዃኑን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብመሰረት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸአቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ 2026 ጥራይ 365 ጽዕነት ነፈርቲ ወተሃደራዊ ንዋት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ረጊፈን።
ቀንዲ መወለቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣዘርባጃንን ዝርከበአን ሃገራት ምዃነን እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ብልጽግና ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ሓያሎ ለገስቲ ብድምር ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ግዳማዊ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከምዝረኸበ እውን ተሓቢሩ።
ብኣንጻሩ፡ ኣስታት 21.4 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ህላወኡ ኣብ ሰብኣዊ ትኳቦ ዝተመርኰሰ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እዞም ጸብጻባት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጹን።
