ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዝለዓለ ትዕግስቲ ክገብራን ናብ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ክምለሳን ጸዊዑ
እቲ መግለጺ ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ኣብ ኣስመራ ዓጽያ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ምስ ኣውጽአት፡ ኤርትራ ድማ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምስ በተኸት እዩ መጺኡ።

ብቐጥታ
'
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዝዓረገ ውጥረት ብተገዳስነት ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊጹ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ዝለዓለ ትዕግስቲ ክገብራን ፍልልያተን ብዲፕሎማስያዊ መንገድ ክፈትሓን ጸዊዑ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዝዓረገ ውጥረት ብተገዳስነት ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊጹ።
እተን ሰለስተ ኣባላት ሃገራት ዝለዓለ ትዕግስቲ ክገብራን ነቲ ውጥረት ዘብእሱን ሰላምን ርግኣትን እቲ ዞባ ዝሃስዩን ተግባራትን መግለጽታትን ከይፍጽማን ጸዊዑ።
መስመራት ርክብ ክሕለዉ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ፍልልያተን ብዝተሰረቱ ዲፕሎማስያዊ መንገድታትን ሰላማዊ ዘተን ክፈትሓ ተላብዩ።
ኮሚሽኑ ምስተን ዝምልከተን ሃገራት ብምዝታይ፡ ውጥረት ንምውራድን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብን ዝግበር ጻዕሪ ክድግፍ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English