መራሕቲ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራን ሶማልን ኣብ ኣልዓላመይን ሓባራዊ ኣዋጅ ኣውጺኦም፤ ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ገማግም ሃገራት ጥራይ እዩ ኢሎም
ኣብ ሓዳስ ከተማ ኣልዓላመይን ዝተኻየደ ዘተ መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት፡ ብዛዕባ ሱዳን፡ ሶማል፡ ቀይሕ ባሕርን ኒልን ዝምልከት ሓባራዊ ኣዋጅ ኣውጺኡ።

ዘ ናሽናል፡ እቲ ሰንበት ምሸት ኣብ ኣልዓላመይን ዝወጸ ሓባራዊ ኣዋጅ ሓድነት መሬት ሱዳን ከምዝድግፍን ጎድናዊ መንነታት ከምዝነጽግን ገሊጹ። እቲ ኣዋጅ፡ ሶማሊላንድ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣካል ክትፍለጥ ከምዘይግባእ ኣነጺሩ፡ ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፍነት ናይተን ገማግም ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡ ኣብ ኒል ድማ ነቲ ህሉው ጥቕሚ ማይ ግብጽን ሱዳንን ዝጎድእ በይናዊ ስጉምቲ ነጺጉ። እቲ ጋዜጣ፡ እቲ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ወይ እስራኤል ብስም ኣይጠቐሰን ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣልዓላመይን ዝወጸ ሓባራዊ ኣዋጅ ነጺጉ። ኢትዮጵያ መንቀሊ ጸሊም ኒል ምዃናን ኣስታት 85 ሚእታዊት ናይቲ ወሓዚ ከምእትውጽእን ገሊጹ፡ እዚ ጂኦግራፍያውን ታሪኻውን ክውንነት ብፖለቲካዊ ዘረባ፡ ናይ ጸቕጢ ስጉምትታት ወይ ተግባራት ክቕየር ኣይክእልን ኢሉ። ኢትዮጵያ ሉኣላውነታ፡ ግዝኣታዊ ሓድነታን ቀንዲ ሃገራዊ ጥቕማን ንምክልኻል ቅርብቲ ምዃና ድማ ኣረጋጊጹ።
መራሕቲ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራን ሶማልን ኣብ ሓዳስ ከተማ ኣልዓላመይን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ መወዳእታ ሓባራዊ ኣዋጅ ኣውጺኦም፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ብ4 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድን ኣቦ መንበር ምምሕዳር ሽግግር ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ተሳቲፎም።
እቲ ኣዋጅ ኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ዞባዊ ርግኣትን ምትሕብባርን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ልዑላውነት ሃገራት፡ ናጽነት መሬትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘይምትእትታውን ክኽበር ኣዘኻኺሩ።
ብዛዕባ ሱዳን፡ ኣርባዕቲኦም መራሕቲ ሓድነትን ልዑላውነትን ሱዳን ከምዝድግፉ ገሊጾም፡ ዝኾነ ተመሳሳሊ ኣካል ምምስራት ከምዝነጽጉን እቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ብሱዳናውያን ክምራሕ ከምዘለዎን ኣረጋጊጾም።
ብዛዕባ ሶማል፡ ሓድነትን ልዑላውነትን ሶማል ኣረጋጊጾም፡ በዚ ዝጻባእ ዝኾነ ምትእትታው፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ሶማሊላንድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣካል ምፍላጥ፡ ነጺጎም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጻዕሪ ሶማል ኣንጻር ግብረ ሽበራን እኹል ባጀት ንተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪቃን ክድገፍ ተመባጺዖም።
ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጉዳይ ናጽነት መጓዓዝያ ባሕርን ምሕደራ እቲ ባሕርን ናይተን ገማግም ሃገራት ጥራይ ምዃኑ እቲ ኣዋጅ ኣነጺሩ።
ብዛዕባ ኒል፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዛዕባ ሓባራዊ ኣፍላግ ክኽበርን ናይተን ታሕተዎት ሃገራት ማይ ዝጎድእ ዝኾነ በይናዊ ስጉምቲ ክነጸግን ጸዊዖም።
ኣርባዕቲኡ ሸነኽ፡ እቲ ኣብ ኣልዓላመይን ዝተጀመረ ምውህሃድ ንምቕጻል ወቕታዊ ዘተታት ከካይዱ ተሰማሚዖም።
