ሓይልታት ኢትዮጵያ ንራማ ተቖጻጺረን
ድሕሪ ኣኽሱም፡ ካብ ዶብ ኤርትራ 7 ኪሎሜተር ጥራይ እትርሕቕ ራማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወት ACLED ገሊጹ።

ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ቁጽጽሮም የስፋሕፍሑ ምህላዎምን፡ ድሕሪ ነታ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም ምሓዝ ንራማ ውን ከምዝተቖጻጸሩን እቲ ናጻ ትካል ምክትታል ግጭታት ACLED ገሊጹ።
ራማ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ፡ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ኮይና፡ ካብ ዶብ ኤርትራ 7 ኪሎሜተር ጥራይ እያ እትርሕቕ። ካብ ዓዲ ቋላ 25 ኪሎሜተር፡ ካብ ዓድዋ 30 ኪሎሜተር፡ ካብ ኣኽሱም ድማ 33 ኪሎሜተር ትርሕቕ።
ACLED፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን ናብ ሓያሎ ስትራተጂያዊ ኣገደስቲ ከተማታት ድሕሪ ምስፍሕፋሖም፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብዛላምበሳ ኣቢሎም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ሓቢሩ።
ብመሰረት ጸብጻባት፡ እቲ ውግእ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ጌና ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዛላምበሳ እትነብር ሓንቲ ነባሪት ንኤኤፍፒ ከምዝሓበረቶ፡ ኣብታ ከተማ ሕጂ ውግእ እኳ እንተዘየለ፡ ንሓደ ሰሙን መብራህትን ማይን ተቛሪጽዋ ጸኒሑ።
