ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሽልማት ኖበል ኣብይ ኣሕመድ ቅሬታኣ ገሊጻ
ተሸላሚ ሰላም ብኲናትን ህልቂትን ዝወዳደሮ ከምዘየለ ኣብ ዝወጸ ትንተና ተገሊጹ።

ኣልፍረድ ኖቤል ነቲ ብምህዞኡ ዝደለቦ ሃብቲ፡ ሰላም ንዝፈጥሩ ሽልማት ክወሃበሉ ማዕከን ምቛሙ ዝዝከር እዩ።
ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ምስ ተለወጠ፡ ሽግር ቀርኒ ኣፍሪቃ ከብቅዕ ተስፋ ተቐልቀለ። እቲ ሓድሽ መራሒ ናብ ኣስመራ በሪሩ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ምስ ከተመ ድማ፡ ዓለም ከይተማትአት ሽልማት ሰላም ኖበል መጠወቶ።
ሓቀኛ ባህርያቱ ንምቕላዕ ግን ግዜ ኣይወሰደን። ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ግጭታትን ኲናት ሓድሕድን ኣእንገደት።
ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ተቐዝፈ፤ 12 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ዓንዩን ተዓጽዩን ልዕሊ 8 ሚልዮን ቆልዑ ካብ ትምህርቲ ተሓሪሞም፤ ልዕሊ 21 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ።
ሰላም ጎረቤት ህዝቢ ሱዳን ንምዝራግን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብምኽንያት ኣፍደገ ባሕሪ ዝግበር ምፍርራሕን ድማ ተወሲኽዎ። ብኲናትን ህልቂትን ሽልማት ኖበል እንተዝህሉ ዝወዳደሮ ኣይምተረኽበን ክብል እቲ ትንተና ይድምድም።

