ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ማእከላይ ኤስያ ስምምዓት ኸቲማ
ማርኮ ሩብዮ ኣብ ወፍሪ፡ ብርቂ ማዕድናትን ትሕተ-ቕርጽን ዘተኮሩ ስምምዓት ኣፈሪሙ።

ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ዞባ ማእከላይ ኤስያ ዘለዋ ኩሉመዳያዊ ዝምድናታት ንምምዕባል ከምእትሰርሕ ኣፍሊጣ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ ብ19 ጥቅምቲ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኡዝበኪስታን፡ ካዛኪስታን፡ ታጂኪስታን፡ ቱርከሚኒስታንን ኪርጊስታንን ዝርርብ ኣካዪዱ።
ኣብቲ ኣብ ኡዝበኪስታን ዝተኻየደ ርክብ፡ ወፍሪ፡ ብርቂ ማዕድናትን ትሕተ-ቕርጽን ኣብ ዝርከብዎም ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተመ ተሓቢሩ።
ከም ኣካል እቲ ስምምዕ፡ ኣሜሪካ ቍጠባ ናይተን ሃገራት ንምምዕባል ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ።
ኣሜሪካ ኣብ 2025 ምስ ሓሙሽተአን ሃገራት ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ድማ ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንግዳዊ ምልውዋጥ ከምዘካየደት ጸብጻባት የረድኡ።

