ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ጥልመት ምዃኑ ተገሊጹ
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ተወኒና ከምዘይትፈልጥ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ብ19 ጥቅምቲ ማዕከን ዜና ፋና ብሮድካስቲን ብቋንቋ ዓረብ ንዘቕረበቶ መደብ ምላሽ ሂቡ።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ወደባትን መስመር ባሕርን ወኒና ከምዘይትፈልጥ ዝገለጸ ሚኒስተር የማነ፡ ኣብ እዋን እቲ ዘይሕጋዊ ፌደሬሽንን ምሕዋስን ዝነበረ ህላወ እንተዘይኮይኑ፡ ክትመልሶ እትኽእል ዋንነት ከምዘየለ ኣረዲኡ።
ምቑራንን ብሓይሊ ምግዛእን ነቲ ጎባጢ ኣካል ታሪኻዊ ይኹን ሕጋዊ ዋንነት ከምዘይህቦ ዝጠቐሰ ሚኒስተር፡ እቶም ነዚ ግጉይ ትረኻ ዝደጋግሙ ንኣህጉራዊ ሕጊ ክዕዘቡ ተማሕጺኑ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 40ታት መግዛእቲ ናይ ምእላይ መሰሉ ኣብ ዝተኸልከለሉ እዋን፡ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ብምክያድ ክቡር መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ኣዘኻኺሩ።
ናጽነት ኤርትራ ምኽሓድን ምጽላምን፡ ካልእ ምጥሓስ ሕግን ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ፖለቲካዊ ንዕቀትን ምዃኑ ድማ ኣስሚሩሉ።

