ጃፓን ናብ ወርሒ ማርስ ሰብ-ኣልቦ መንኰርኰር ሰዲዳ
ኣብ ነሓሰ 2027 ክትበጽሕ፡ ኣብ 2031 ድማ ቅምሶታት ሒዛ ክትምለስ ትጽቢት ይግበር።

ጃፓን ብ20 ጥቅምቲ ናብ ናይ ማርስ ወርሒ ሰብ-ኣልቦ መንኰርኰር ከምዝለኣኸት ኣፍሊጣ።
እዚ ሓድሽ ተልእኾ፡ ካብታ ኣቐዲማ ዘይተዳህሰሰት ወርሒ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ቅምሶታት ንምምጻእ ዝዓለመ ምዃኑ ሰብ-መዚ ጠፈር ጃፓን ገሊጾም።
እታ መንኰርኰር ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2027 ናብ ማርስ ክትበጽሕ፡ ኣብ 2031 ድማ ቅምሶታት ሒዛ ናብ መሬት ክትምለስ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ተልእኾ ኣብ ፕላኔት ማርስ ንዝግበር መጽናዕቲ ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይእምቱ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ጠፈራዊ ተልእኾ ጃፓን ኣብ ጽላት ጠፈር ንዘለዋ ጥሙሕ ንቕድሚት ዝደፍእ ምዃኑ ይጥቀስ።

