ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ብጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘትየን
ማሳድ ብሎስን ኣኔት ዌበርን ኣብ ቅልውላው ሱዳንን ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ብሎስ፡ ምስ ፍልይቲ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣኔት ዌበር ተራኺቡ፡ ኣብ ዞባና ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ዝዓለመ ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣመልኪቱ ዓሚቕ ዘተ ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።
እቲ ዘተ ኣብ ፈለማ ነቲ እናተሓላለኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ሱዳን ዘተኮረ ምንባሩን፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን ኣብ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ምትፍናን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመልኪቶም ከምዝተመያየጡን ብሎስ ኣብ ናይ ኤክስ ገጹ ሓቢሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ንኩነታት ሱዳን ዝምልከት ብሓሙሽተ ጉጅለ ዝተመስረተ ኣካል ኣባል ብምዃኑ፡ ህዝቢ ሱዳን ባዕሉ ጸገማቱ ዝፈትሓሉ ሲቪላዊ መኣዲ ዘተ ኣብ ምምድላው ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ።
ተንተንቲ፡ እዚ ርክብ ምዕራባውያን ሓይልታት ኣብቲ ዞባ ካልእ ኣዕናዊ ግጭት ከይለዓል ናይ ምክልኻል ዲፕሎማሲኦም ምቕጻሉ ዘርኢ ምዃኑ ይገልጹ።
