ጋና ሰደድ ዘይተመስርሐ ማዕድናት ክትድርቶ ምዃና ኣፍሊጣ
ፕረዚደንት ጆን ድራማኒ ማሃማ እቲ መደብ ክሳብ 2030 ከምዝትግበርን ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ንምዕባይ ከምዝሕግዝን ገሊጹ።

ጋና ዘቤታዊ ፍርያት ንምምዕባል ሰደድ ዘይተመስርሐ ማዕድናት ክትድርቶ ምዃና ኣፍሊጣ።
እቲ ክሳብ 2030 ዝትግበር መደብ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ንምዕባይ ሓጋዚ ከምዝኸውን፡ ፕረዚደንት ጋና ጆን ድራማኒ ማሃማ ኣሚቱ።
ሰደድ ዘይተመስርሐ ሓጺን፡ ሊትዩም፡ ቦክሳይትን ማንጋነዝን ካብቶም ክኽልከሉ ብቐዳምነት ተሰሪዖም ዘለዉ ማዕድናት ምዃኖም ኣረዲኡ።
ከም ኣካል እቲ ውጥን፡ ሃገሩ ንምምስራሕ ማዕድናት ባይታ ዘጣጥሕ ትሕተ-ቕርጺን ቴክኖሎጂን ከምእተስፍሕ ድማ ኣፍሊጡ። ጋና ብፍርያት ወርቂ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ትስራዕ።
