ቻይናን ጅቡትን ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኤን
ምሕደራን ምውሓስ ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ንወነንቲ እቲ ገማግም ዝኾና መዳውብቲ ሃገራት ጥራይ ከምዝምልከት ኣረጋጊጸን።

ቻይናን ጅቡትን ኩለን ሃገራት ብመጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ናጽነት መጓዓዝያ ባሕሪ ክጥቀማን፡ ኣብ ምሕደራን ምውሓስ ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ድማ ንመዳውብቲ ሃገራት ጥራይ ከምዝምልከት ብሓባር ኣረጋጊጸን።
እቲ መግለጺ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቤጂንግ ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ዝወጸ እዩ። ክልቲኦም ወገናት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዝብል ሓባራዊ እምነት ከምዘለዎም ኣስሚሮም።
ድሌታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ክኽበርን፡ ኣብ ጸጥታዊ ሓደጋታት እቲ ዞባ ዝኾነ ወጥሪ ክእለን ከምዝግባእ ድማ ገሊጸን።
እዚ መርገጺ ምስ መርገጺታት ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልን ዝሰማማዕ ምዃኑ ይግለጽ። ቻይና ኣብ 2017 ኣብ ጅቡቲ ንፈለማ እዋን ካብ ሃገራ ወጻኢ ወተሃደራዊ መዓስከራ ምኽፋታ ይዝከር።
