ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስርሒት የዳልዋ ከምዘለዋ ተገሊጹ
ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ክልቲአን ሃገራት ሓጺር ግን ኣዝዩ ኣዕናዊ ወተሃደራዊ ስርሒት የዳልዋ ከምዘለዋ ጸብጺቡ።

ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ እቲ ብ3 ሕዳር ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ናይ መፋርቕ ምርጫ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝርዝር ውጥን የዳልዋ ከምዘለዋ ተገሊጹ።
እታ ጋዜጣ ንሰበስልጣን ኣመሪካን ካልኦት ነዚ ጉዳይ ዝፈልጡ ምንጭታትን ብምጥቃስ ኣብ ዘዳለወቶ ጸብጻባ፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ «ሓጺር ግን ኣዝዩ ኣዕናዊ» ኢለን ዝገልጽኦ ስርሒት ምድላዋተን ኣሐይለን ምህላወን ሓቢራ።
ካብቶም ቀንዲ ዒላማ ክኾኑ ዝኽእሉ ተባሂሎም ዝተጠቕሱ ቦታታት፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን፡ ትካላት ኒዩክለር ከምኡ’ውን መኽዘን ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን እታ ሃገር ይርከብዎም።
እቲ ዝቕጽል ከቢድ ዙርያ መጥቃዕቲ ንቑጠባ ኢራን ምሉእ ብምሉእ ብምድስካል እታ ሃገር ዲፕሎማስያዊ ስምምዓት ክትቅበል ከገድዳ ዝኽእል ሓደገኛ ስጉምቲ ከምዝኸውን፡ እቶም ምንጭታት ኣጠንቂቖም። ትራምፕ ኣብ ዝኾነ ህሞት ሓሳቡ ክቕይር ዝኽእል ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
