ዊትኮፍ ምስ ፑቲን ብጉዳይ ኵናት ዩክሬን ዘትዩ
ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ፡ እቲ ርክብ ሓድሽ ዘተ ንምጅማር ባይታ ከምዘጣጥሕ ኣሚቱ።

ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ኣብ ጉዳይ ኵናት ዩክሬንን ዝምድና ኣመሪካን ሩስያን ኣመልኪቱ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዘትዩ።
እቲ ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሰይንት-ፒተርስበርግ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ ኵናት ዩክሬን ሓድሽ ዘተ ንምጅማር ባይታ ከምዘጣጥሕ ዊትኮፍ ኣሚቱ።
ብዘይካዚ፡ እቲ ዝርርብ ንዝምድና ሩስያን ኣመሪካን ንቕድሚት ዝደፍእ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ዊትኮፍ ብ20 ጥቅምቲ ኣብ ኦስሎ ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተራኺቡ ከምእተዘራረበ ይግለጽ። ምስ ፑቲን ዘካየዶ ቀጥታዊ ርክብ ድማ ንታሽዓይ ግዜ ምዃኑ ጸብጻባት የረድኡ።
