ቱርኪ፣ ቐጠር፣ ፓኪስታንን ኢንዶነዥያን ስምምዕ ባድር ተፈራሪመን
እቲ ኣብ ዶሃ ዝተኸተመ ውዕል ወተሃደራዊ መሳርሒታት ኣብ ምፍራይን ምትሕልላፍ ቴክኖሎጂን ዘተኮረ እዩ።

ቱርኪ፡ ቐጠር፡ ፓኪስታንን ኢንዶነዥያን ብሓባር ወተሃደራዊ መሳርሒታት ኣብ ምፍራይ፡ ምትሕልላፍ ቴክኖሎጂ ከምኡ’ውን ናይ ምርምርን ምዕባለን ንጥፈታት ንምስፋሕ ዝዓለመ፡ ብስምምዕ ባድር ዝፍለጥ ውዕል ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ዶሃ ከምዝተፈራረማ ተገሊጹ።
እቲ ስምምዕ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ እተን ኣርባዕተ ሃገራት ንምውህሃድን ናይ ቀረብ ሰንሰለት ወተሃደራዊ መሳርሒታት ንምድልዳልን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።
ካልኦት ሃገራት ናብቲ ስምምዕ ክጽምበራ ዘኽእል ኣገባብ ከምዘለዎ’ውን እቶም ጸብጻባት ኣረጋጊጾም።
እቲ ስምምዕ ኣብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ዝግበር ምትሕብባር ጥራይ ዘተኮረ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባል ሃገራት ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ናይ ሓባር ምክልኻል ግዴታ ዘይህብ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ። እዚ ስምምዕ ነቲ ኣብ ነሓሰ ኣብ መንጎ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን ዝተኸተመ ስምምዕ መካ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።
