ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ሓድሽ እገዳ ወሲና
ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ ኣህጉራዊ ባንክታት ዘሎ ንዋይ ናይቲ ትካል ዘደስክል እዩ ኢሉ

ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣንጻር ረብሓታት ሃገሩ ይንቀሳቐስ ኣሎ ብምባል ሓድሽ እገዳ ወሲዱ።
ኣብ ኣሰራርሓ ናይቲ ትካል ዕቃበታት ክትገልጽ ዝጸንሐት ኣመሪካ፡ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ እገዳታት ከም ዘጽደቐት ጸብጻባት የረድኡ።
እቲ ስጉምቲ ኣብ ኣህጉራዊ ባንክታት ዘሎ ንዋይ ናይቲ ትካል ዘደስክል ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ ገሊጹ።
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ መራሕቲ ጥራይ ብምትኳር ይሰርሕ ኢለን ዝወቕሳ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣባልነተን ናይ ምስሓብ ስጉምቲ ክወስዳ ጸኒሐን። እቲ ኣብ ሓምለ 2002 ዝተመስረተ ቤት ፍርዲ ንኣመሪካን ሩስያን ዝርከብአን ሃገራት ዘይጥርንፍ እዩ።
