ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምሒር ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ
ኣፈኛ ስተፋን ዱጃሪክ፡ ኩሎም ወገናት ተጻብኦ ደው ኣቢሎም ናብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክምለሱ ጸዊዑ

ኣፈኛ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስተፋን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምሒር ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።
እቲ ኣፈኛ ኣብ መግለጺኡ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ብቕልጡፍ ተጻባኢ ተግባራቶም ደው ብምባል፡ ፈረምቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ናብ ጣውላ ዘተ ክመጽኡ ጸዊዑ።
ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ነቲ ዞባ ናብ ዝለዓለ ግጭት ክመርሕ ዝኽእል ተግባራት ከም ዘይድግፍ ብምግላጽ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝብሉ ጸብጻባት ከም ዘተሓሳሰብዎ ሓቢሩ።
ኩለን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት፡ ኣንጻር ልኡላዊ ግዝኣት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ሓንቲ ሃገር ሓይሊ ካብ ምጥቃምን ምፍርራሕን ዝኽልክል ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ክምእዘዛን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ከይኣትዋን ጸዊዑ። ቤት ጽሕፈቱ ነቲ ጉዳይ ብሰላም ንምፍታሕ ድልው ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።
