ትራምፕ፡ ሓጽቢ ህዳሰ ንፈለግ ኒል ብዘይ ማይ ኣትሪፍዎ ኢሉ
እቲ ሓጽቢ ብገንዘብ ኣመሪካ ተሰሪሑ ኢሉ፤ ኢትዮጵያ ነዚ ኣጥቢቓ ትነጽጎ

ኣሕራም ኦንላይን ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንፈለግ ኒል ብዘይ ማይ ኣትሪፍዎ ኢሉ ነቐፌታኡ ከም ዘስመዐ ሓቢራ።
ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ዲጋታት ዓለም ብገንዘብ ኣመሪካ ከም ዝተሰርሐ ብምግላጽ፡ ኩሉ ማይ ካብ ፈለግ ኒል ይወስዶ ኣሎ ኢሉ። ግብጻዊ ኮይንካ ፈለግ ኒል ማይ ዘይብሉ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ብዛዕብኡ ይሰርሕ ኣለኹ ክብል እውን ወሲኹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ክህብ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን፤ ኣብ ቀዳማይ ወቕቲ መሪሕነቱ እውን ብዛዕባ እዚ ሓጽቢ ተዛሪቡ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ሓጽቢ ብምሉእ ወጻኢታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰርሐ ይምጉት፤ ማይ ኒል ተወዲኡ ንዝብል መግለጺ እውን ብምንጻግ ሃይድሮፓወር እናገበረት ናብ ኒል ዝግበር ዋሕዚ ማይ ከም ዘየቋረጸት ትሕብር። ግብጺ ብወገና ነቲ ሓጽቢ ከም ዓብዪ ስግኣት ትርእዮ።
