ኣብ ሱዳን መጥቃዕቲ ድሮን ብውሕዱ 30 ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ኣቡ ሻንዲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ይርከብዎም፤ እታ ድሮን ካብ ኢትዮጵያ ተወንጪፋ ተባሂሉ
ብሶሉስ 6 ጥቅምቲ ኣብ ግዝኣት ብሉ ናይል ሱዳን ኣብ ከባቢ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 30 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰበ ስልጣን እታ ግዝኣትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ገሊጾም።
እቲ መጥቃዕቲ ካብ ደማዚን ንምብራቕ ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ከባቢ ዋድ ኣልማሂ ኣብ ዝርከብ ኣቡ ሻንዲ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተፈጸመን ብዙሓት ካብቶም ግዳያት ብልምዳዊ ኣገባብ ወርቂ ኣብ ምዕዳን ዝነጥፉ ሰባት ምንባሮምን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ሕቡራት ሃገራት ብውሑዱ 40 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝገልጽ ናይ ፈለማ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ ክገልጽ እንከሎ፡ ሱዳናውያን ሓካይም ብወገኖም 31 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 19 ድማ ከም ዝቆሰሉ ሓቢሮም። ሰበ ስልጣንን ሓካይምን ነቲ መጥቃዕቲ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ከም ዝፈጸምዎ ገሊጾም።
ኣመሓዳሪ ዋድ ኣልማሂ ማሕሙድ ኣልሸኽ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከም ዝተወንጨፈት ገሊጹ። መርበብ ሓካይም ሱዳን ብተወሳኺ፡ ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ኡም ባድር 25 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።
