ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝተገብረ ሰልፊ ናብ ናዕቢ ተቐይሩ
ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ደርባንን ሶዌቶን ዓሰርተታት መካይንን ኣባይትን ተቓጺሎም

ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጀመረ ሓድሽ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናብ ናዕቢ ብምምራሑ ከቢድ ንዋታዊ ዕንወት ከም ዝወረደ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።
ሰልፈኛታት ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ደርባንን ሶዌቶን ኣብ ዘካየድዎ ሰልፍን ዝሰዓበ ዕግርግርን፡ ዓሰርተታት መካይንን ኣባይትን ከም እተቓጸለ ተገሊጹ። ብወጻእተኛታት ኣብ ልዕሊ ዝውነና ሓያሎ ትካላት ስርቅን ዝምታን ከም እተኻየደ እውን ተሓቢሩ።
እዚ ሓድሽ ናዕቢ፡ ሒደት ሳምንታት ቅድሚ ሕጂ ጽልኣት ወጻእተኛታት ዝመንቀሊኡ ተመሳሳሊ ክስተት ዝስዕብ ዘሎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ቀዳማይ ናዕቢ ኣሽሓት ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነይሮም።
ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጠንቂ ሽቕለት ኣልቦነት ኮይኖም ኢሎም ዝወቕሱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኩሎም ክወጹ ክጽውዑ ጸኒሖም። ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ዜጋታት ዚምባብወ፡ ሞዛምቢክ፡ ማላዊን ናይጀርያን ምዃኖም ይግለጽ።
